ንኣብ ጾታ ዘተኮረ ጾታዊ ዓመጽ ኣበይ ኸይደ ኣገልግሎት ካሓትት ይኽእል?
ህጹጽ ኣገልግሎት ካብ መሻርኽቲ ዩ ኤን ን ካብ ኣብ ጾታ ዘተኮረ ጾታዊ ዓመጽ ዝደሓኑ ዝዋሀብ፣
- ኣህጉራዊ ትካል ኬር፦ ነቶም ካብ ኣብ ጾታ ዘተኮረ ጾታዊ ዓመጻ ዝደሓኑ ይድግፎም። ብዚአን ዝስዕቡ ቁጽሪታት ኣቢሉ ኻኣ ኪርከብ ይከኣል እዩ
መስምር ደገፍ፦ 01028859777/01028859666/01120486345
ናይ ለይቲ ህጹጽ መስመር ፦ 01028062178 ። ድሕሪ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ቀዳመ-ሰናብትን ከምኡ ውን ኣብ ግዜ ህዝባዊ በዓላትን ኢዩ ዝሰርሕ።
ሳዓታት ስራሕ፦ ካብ ሰንበት-ክሳብ ሓሙስ ካብ 9፡00 – 17፡00
ኣድራሻ ፦ ቪላ 26፡ ጎደና 262፡ ኣልጀርያ ስኴር፡ ማዓዲ
CARE ግብጺ ብተወሳኺ ንደቂ ኣንስትዮ ዝምችእ ቦታ የካይድ ኣብኡ ብዙሓት ንጥፈታት ዝካየደሉ ከም: ጾታውን ተፈጥሮኣውን ጥዕና ንቕሓት ክፍለ ግዜታት፣ ሕጋዊ ንቕሓት ክፍለ ግዜታት፣ መሰረታዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ደገፍ ክፍለ ግዜታት፣ ርእሰ-ምክልኻል ዓውደ መጽናዕትታት፣ ጾታዊ ስልጠና ንህጻናት፣ ከምኡ’ውን ንመውስቦ ህጻናት ንምምካት ዝሕግዙ ዓውደ መጽናዕትታት። ቀንዲ ትኹረት ደቂ ኣንስትዮ ምሕዝነታዊ ቦታ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ምሕያልን ተበፃሕነት ሓበሬታን ዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ምምሕያሽን እዩ።
ሲታ ኦክቶበር ፦ ህንጻ 22 – ኣልሓይ ኣልአ – 6 ኦክቶበር (ኣንፈት)
- ኤም.ኤስ. ኤፍ. – ነቶም ካብ ኣብ ጾታ ዘተኮረ ጾታዊ ዓመጽ ዝደሓኑ ሰባትን ዓምጽ ዝጋጠሞምን ህጹጽ ሕክምናዊ ኽንክን ይህብ። ኤም. ኤስ. ኤፍ. ን 24 ሳዓትን ምሉእ ሶምን (ን 7 ማዓልታት) ትሰረሕ – ናብ ክሊኒክ ቅድሚ ምኻድካ/ኪ ፈለማ ኽትድውለሎም ኣለካ ።
ህጹጽ መስመር፡ 01117083502 (24/7)
ንቆጸራ ናብ መስመር ቴሌፎን፡ 01012159162ን 01111483267ን ደውሉ።
ኣድራሻ፡ ህንጻ ቁጽሪ 2 ጎደና 161 ማዓዲ - ትካል ረፍዩጅ ኢጅብቲ፦ ነቶም ካብ ኣብ ጾታ ዘተኮረ ጾታዊ ዓመጻ ዝደሓኑ ሰባትን ዓምጽ ዝጋጠሞምን ህጹጽ ሕክምናዊ ኽንክን ትገብረሎም እያ። ናብ ክሊኒክ ቅድሚ ምኻድካ በጃኻ ፈለማ ደውል።
– ዛማልክ:- ክሊኒክ ካተድራል ዛማሌክ ሃሎዊን – 5 ሻረዕ ሚሸል ሉትፋላህ (ድሕሪ ሆቴል ማሪዮት)
ክሊኒክ ተሌፎን፦ 01272040710፣ ህጹጽ መስመር፦ 01282112011
– ነስር ሲቲ:- ህንፃ ቤት ፅሕፈት ቀረብ ”ማክታብ ኣል ታምዊን”፣ ዕዳጋ ጎደና፣ 10ይ ወረዳ
ክሊኒክ ተሌፎን – 01211970028 ፣ ህጹጽ መስመር፡ 01282112011
– ክሊኒክ 6 ኦክቶበር:– 48 ሻረዕ ኣልምሕወር ኣልመርካዚ- ኤጲስጶስ ቤት ክርስትያን- ኣልሓይ ኣልዓሽር- 6 ኦክቶበር።
ክሊኒክ ተሌፎን፦ 01211970037፣ ህጹጽ ኵነታት፦ 01211970037