ብቕልጡፍ ዝተገብረ መጽናዕቲ ምግምጋም ዲሌታት እንታይ እዩ?
ኮቪድ-19 ቅልጡፍ ኣድላዪነት ገምጋም (RNA)፣ ነቲ ምልባዕ ኮቪድ-19 ኣብ ማሕበረሰብ ስደተኛታት ኵነታት መነባብሮን ክእለትን ከምኡውን ኣብ ግብጺ ዘጋጥሞም ብድሆታት ዘለዎ ጽልዋ ንምርዳእ ዝተገብረ መጽናዕቲ ኢዩ። እዚ መጽናዕቲ እዚ ነቶም ኣብ ከባቢኦምን ኣህጉራውን ደረጃ ዝርከቡ ስደተኛታት ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ ክውዕል ኢዩ። ብተወሳኺውን እቲ ናይ COVID-19 ምልባዕ ንንውሕ ዝበለ ግዜ እንተድኣ ቐጺሉ ግቡእ ግብረ መልሲን ንኽህቦን ግቡእ ናይ ፕሮግራማትን ፕሮጀክትታትን ኣብ ምምራጽ ክሕግዝ ኢዩ።
UN “ብ ባሲራ ማእከል” ኣቢሉ ብዛዕባ ዅነታቶም ንምፍላጥ ነቶም ኣብ ግብጺ ብረንደም/ብዕድል እተመርጹ ስደተኛታት ብተሌፎን ቃለ – መጠይቓት ይገብር ። ነቲ ዝገበርካዮ ተሳትፎን ቃለ – መጠይቓት ክትገብር ኸለኻ እናመስገና ድማ ኣብ ምትሕብባርካ ንምርኰስ ኢና ።
ኣብዚ መጽናዕቲ እዚ ምክፋል ሓገዝ ከም ዘይውሃብ ፍልጥ ።
እንታይ እዩ ኪኸውን?
‘ባሲራ’ በቲ ኣብ UN ዝተመዝገበ ቝጽሪ ተሌፎንካ ብዚ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ቁጽሪ ኣቢላ ክትረኽበካ እያ ፦
0221250952
እቲ ቓለ-መጠይቕ ዚገብረሉ ሰብ ነቲ ኣብ ክንዲ ምልእቲ እታ ስድራ ቤት መልሲ ዚህብ ርእሲ ስድራ ቤት ኬዘራርቦ ክሕተት እዩ። ኣብቲ ቓለ-መጠይቕ ኪሳተፍ እንተ ዘይክኢሉ እቲ ናይ ተሌፎን ቃለ-መጠይቕ ናብ ካልእ መዓልቲ ወይ ናብ ሓደ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ገንዘባውን ማሕበራውን ኵነታት እታ ስድራቤት ዚፈልጥ ኣባል ስድራቤት ኪደናጐ ይኽእል እዩ።
እዚ ተሌፎን እዚ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ዚወስድ?
እቲ ቓለ-መጠይቕ ከከም ብዝሒ እታ ስድራቤት ሓደ ሰዓት ኣቢሉ እዩ ዚወስድ።
ከመይ ገረ ቈጸራ ክረክብ ይኽእል?
ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት ‘ባሲራ‘ ቘጸራ ምእንቲ ኺገብረልካ ብተሌፎን ኪድውለልካ እዩ። ቈጸራ ንምምዝጋብ ናብ ቤት ጽሕፈት UN ምኻድ ኣይየደልን ዩ።.
ብኸመይ እየ ዝዳሎ?
- እቲ ዝተሓደሰ ቝጽሪ ሞባይልካ ነቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዚርከብ ሓበሬታ ከም ዚፈልጦ ወይ ኻኣ ነቲ ፎርም ብኢንተርነት ከም ተመሓይሾ ግበር።
- ካርድ ስደተኛታት ንብምሉኦም ኣባላት ስድራ ቤትካ እዳልዎ።
መን እዩ እሞ ተሌፎን ክቕበል ዘለዎ?
እቲ ውሳነ ዝገብር ሰብ ኣብ ቤቱ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ክንዲ ምልእቲ ስድራቤቱ መልሲ ክህብ ድማ ኣለዎ ኣብኡ ኽሳተፉ እንተድኣ ዘይክኢሎም ከኣ እቲ ናይ ተሌፎን ቃለ – መጠይቕ ናብ ካልእ ዕለት ወይ ናብ ሓደ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ቍጠባውን ማሕበራውን ኵነታት ናይታ ስድራቤት ዝፈልጥ ኣባል ስድራቤት ክደናጐ ይኽእል ኢዩ ።
ስለምንታይ እየ ኣብቲ ሕቶ ክሳኣተፍ ዘሎኒ?
ኣብዚ ኽትሳተፍ ግዴታ እኳ እንተ ዘይብልካ ከምኡ ኽትገብር ግና ብጽኑዕ ንመኽረካ ኢና ። ተሳትፎኻ ን UN/ዩ ኤንን ኻልኦት መሻርኽታን ዕቝባ ዝህቡሉ መገዲ ንምምሕያሽ ኣበርክቶ ክገብር ኢዩ።
ድሕሪ እቲ ቓለ-መጠይቕ እንታይ እዩ ዝጋጥም?
ካብቲ ቓለ-መጠይቕ ናይ ውልቀ-ሰብ ውጽኢት የለን።
UN ምስ ብጾታ ኻብ ኵሉ እቲ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ሓበሬታ ዚቐርብ ቃለ-መጠይቓት ሓበሬታ ኺእክቡ እዮም። ድሕርዚ እዚ ሓበሬታ እዚ ብዛዕባ መነባብሮ ናይቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ሓበሬታ ንምርካብ ክምርመር ኢዩ። UN ነዚ ሓበሬታ እዚ ነቶም ኣብ ከባቢኦምን ኣህጉራውን ደረጃ ዝርከቡ ስደተኛታት ዘድልዮም ነገራት ንምጥባቕ ክጥቀመሉ ኢዩ።
እቲ ሓበሬታ ነቲ መደባትን ፕሮጀክትታትን ቅኑዕ ምርጫ ንምግባር እውን ክውዕል ኢዩ ።