ኣነ ዋሕስ ዘይብለይ ቘልዓ ወይ ካብ ወለደይ ዝተፈልኹ ቘልዓ ኢየ ዕቝባ ድማ ኣሎኒ / ህስያ ሸለልትነት ዓመጽ ወይ ምዝመዛ ዘጋጥመኒ ቘልዓ ኢየ ምስ መን ክራኸብ ኣሎኒ?
ምስ ክፍሊ ዕቝባ ቘልዑ ብቐጥታ ብኢ-መይል ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ ([email protected])
ወይ ከኣ ኣብ እዋን ስራሕ (ሰንበት ክሳዕ ረቡዕ 09 00 – 15 00 ሓሙስ 09 00 – 12 00) በዚ ቝጽሪ እዚ ናብ ዩ ኤን ክትድውል ትኽእል ኢኻ ፦ 0227390400
ኣነ ዋሕስ ዘይብለይ ቘልዓ ወይ ካብ ወለደይ ዝተፈልኹ ቘልዓ ኢየ፣ እንታይ ኣገልግሎት እዩ ክረክብ ዚኽእል?
ዋሕስ ዘይብሎም ወይ ካብ ወለዶም ዝተፈልዩ ቘልዑ ብኸመይ እዮም ገንዘባዊ ደገፍ ኪረኽቡ ዚኽእሉ?
- ካብ 16 ኽሳዕ 17 ዝዕድሚኦም ዋሕስ ዘይብሎም ቆልዑ ብቤት ጽሕፈት ጶስጣ ኣቢሎም ወርሓዊ ገንዘባዊ ደገፍ ይረኽቡ እዮም ።
ንፍሲ ወከፍ ቆልዓ ብምቅባል ኢታ ገንዘብን ዕለተ ምውዳቃን እትሕብር ሓጻር መልእኽቲ ክቅበል ኢዩ፣ ንቲ ገንዘብ በቲ ኦሪጂናል ካርድ ናይ ዩ ኤን ኣቢሉ ክውጾኦ ይኽእል።
ሳዓታት ሰራሕ ጶስጣ ካብ ሰዓት 8 00 ቅ. ቀ. ክሳዕ ሰዓት 3፡00 ቅ. ቀ. ካብ ሰንበት ክሳዕ ሓሙስ እዩ ፣ ቈልዑ ድማ ናብ ዝዀነ ይኹን ኣብ መንበሪኦም ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ ኺኸዱ ይኽእሉ እዮም ።
- ካብ 15 ዓመት ወይ ትሕቲኡ ዝዕድሚኦም ዋሕስ ዘይብሎምን ካብ ስድራኦም ዝተፈልዩ ቆልዑ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሪታስ ገንዘብ ኢናወሰዱ ይቅጹሉ ኢዮም መዓስ ከም ዝኣኸለ ንኽሕብሮም ድማ ኤስ. ኤም. ኤስ መልእኽቲ ይስደዳሎም።.
ሓገዝ ንምርካብ ዘጸግመካ ነገር እንተ ሃልዩካ በጃኻ ምስ ናይ ሓበሬታ መስመር ተራኸብ ወይ ከኣ ናብ: [email protected] ኢ-መይል ለኣኽ