ጉዕዞ ሰላም
ሰላም ጋል 18 ዓመት ምስኮነት እያ ስደት ጉዕዞ ጀሚራቶ። ካብ ኤርትራ ብ 2010 ወጺኣ፤ ብድሕሪኡውን ምስ ኣዲኣን የሕዋታ ትቕመጥ ኔራ። ኣብ ሱዳን ንሓሙሽተ ዓመታት ተቀሚጣ።
ኣብ ሱዳን እቲ ኩነታት እንዳ ከበዳ ከይዱ። መንግስቲ ሱዳንዉን ነቶም መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ምእሳር ስለዝጀመረ፤ ሰላም ክትማሃርን ክትሰርሕን ኣይከኣለትን። ማእሰርቲ ስለዝፈረሐት ድማ፤ ንስድራኣ ከይነገረት ካብ ሱዳን ክትወጽእ ወሲና።
ሰላም እቲ ጉዕዞ እንታይ ክመስል ከምዝኽእል ወላሓንቲ ኣፍልጦ ኣይነበራን።
“ወላሓንቲ ኣፍልጦ ኣይነበረንን፤ ሱቕ ኢለ ምስ ዝፈልጦም ሰባት እየ ወጺአ።” ትብል ሰላም ።
ክሳብ ናይ ሊብያ ዶብ ዝበጽሑ ሓደጋታት ኣየጓነፎምን። ኣብ ሊብያ ዶብ ምስ በጹሑ፤ ናብ ንኣሽቱ መካይን ሲለዝቐየሩ፤ ጽቕጥቕጥን ዘይምችእ ጉዕዞ ኮይንዎም። ካብ 28 ክሳብ 30 ዝኾኑ ሰባትን ዘይቲን ኣብ ሓንቲ መኪና ተጻዒኖም ይጋዓዙ ኔሮም። ኣብቲ ጉዕዞ ከኣ እቲ ዘይቲ ኣብነብሶም እንዳፈሰሰ ሳሓ ይገብረሎም ኔሩ። ድሕሪ ቁሩብ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ዚመስሉ ሰባት ብመኪና ክሃድንዎም ሲለዝፈተኑ፤ ንበዓል ሰላም ዝሓዘት መኪና ዳርጋ ተገምጢላ ሚዛና ስሒታ ኔራ። በዚ ምክንያት ከኣ ሰላም ኣብ የእጋራ ማህሰይቲ ኣጋጢምዋ።
ኣብ ውሽጢ ሊብያ ናብ ትሪፖሊ እንዳዕረፉ ይጋጋዓዙ ኔሮም ፤ ሓደ ሰሙን ከኣ ወሲዱሎም። ኣብ ሓደ ቦታ ምስ የዕረፉ፤ እቲ ኣውቲስታ ማይ መሲልዎ ብጌጋ ዘይቲ (ፔትሮል)ስለዝሰተየ፤ሓሚሙ ናብ ሆስፒታል ከይዱ ኢሎሞም። ምስ መሰየ ድማ እተን ኣዋልድ ካብቶም ኣወዳት ፈልዮም፤ ኣብ ሓደ ማዕጸው ዘይብሉ ገዛ ወሲዶመን።
ነቶም ኣወዳት ከኣ ንበይኖም ኣብ ሓደ ገዛ ብልኬቶ ጌሮም ዓጽዮሞም። ጽልምት ምስ በለ ክልተ ሊብያዊያን ኣብቲ ኣዋልድ ዝነበረኦ ክፍሊ ኣትዮም፤ ጽብቕ ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ክመርጹ ጀሚሮም።
“ደስ ዝበለኦም ደቒኣንስትዮ ከምዝወስዱን ከምዝጻወቱለን፤ብወረ ንሰምዕ ኔርና። ግን ክሳብ ኣብ ነፍስኻ ዚበጽሓካ ኣይታኣምንን ኢኻ።” ትብል ሰላም።
ምስ ካልኦት ደቒ ኣንስትዮ ተሓርያ ተወሲዳ ኔራ፤እቲ ዝኸፈኣ ናይ ህይወት ተሞክሮ ዘጋጥማ መሲልዋ ድማ ኔሩ። “ሰባት ወሲዶም ከምዝሸጡ ይሰምዕ ኔረ” “ከምኡ ክበሃል ከሎ ናይ ሓሶት ዕንቅፋት ንምፍጣርን፥ ን ዓና ናብ ኣውሮፖ ንኸይንኸይድ ዝበሃል ይመስለኒ ኔሩ። ካብቲ ኩነታት ድማ ክሸጡና ከምዝኾኑ ተረዲኡና።” ትብል ሰላም።
ናይ ሰላም ዛንታ ኣብ ሊብያ ዘጋጠማ ተሞክሮታታ ኣብዚ ታሕቲ ብዝርከብ ሊንክ ጌርኩም ክትሰምዕዎ ትኸእሉ ኢኹም።
ንሰላምን እቶም ካልኦት ስደተኛታት ናብ ካልእ መጽንሒ ቦታ ምስ ኣጋዓዓዝዎም፤ንእሽተይ ድምጺ ምስ ዘስሙዑ በቶም ዘይሕጋዊያን ኣሰጋገርቲ ይቕጥቐጡ ኔሮም። እዚ ከኣ በቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ፖላይስ ንኸይርከቡ ብዝብል ስግኣት እዩ።
ኣብታ ዝተበገሱላ ለይቲ ሰላም ምስ ካልኦት 350 ሰባት ኣብ ሓንቲ መርከብ ተሰቒሎም። እተን ደቂኣንስትዮ ኣብቲ ላዕለዋይ ክፋል ናይታ መርከብ፤ እቶም ኣወዳት ድማ ኣብታ ታሕተዋይ ክፋል ኔሮም። ነታ መርከቦም ዝመርሓ ዝነበረ ድማ ወዲ ሶማል ኮይኑ፤ ካብ መንጎ አቶም ስደተኛታታ ዝተሓርየ አዩ ኔሩ። ድሕሪ ቁሩብ ምስ ተበገሱ፤ እታ ጀልባ ስለ ዝተሰብረት ክትኸይድ ኣይከኣለትን።
ናይ ሊብያ መርከብውን ድሕሪ ቑሩብ ሰዓታት ኣብ ባሕሪ ክንሳፈፉ ረኺባቶም።
“ናይ ሊብያ ኔቪ ብዕብይ ዝበለት መርከብ አዩም መጺኦም። ብረት ናባና ገጹ ኣቕኒዖም፤ ናይ መን (ዘይሕጋሕዊ ኣሰጋጋሪ) ኢኹም ኢሎም ሓቲቶምና። ናይ ሓጂ ኢና ኢልና መልሲ ሂብናዮም” ትብል ልዋም ። ብድሕሪኡውን ናይ ሞተር ቤልት ሂቦም ናብቲ ቑኑዕ መገዲ መሪሖሞም።
እቲ ጸገም ኣብታ ጀልባ ሞቶረ ምኻኑ ምስ ፈለጡ፤በታ ዓባይ መርከብ ምስ ተደፈኣት ጉዕዞኣ ጀሚራ ። እቲ ጉዕዞ ቁሩብ ሰዓታት ከምዝወስድ አዮም ዝተነግሩ። ድሕሪ 17 ሰዓታት ግን ማይን መግብን ወዲኦም። ናይ ሞባይሎም ባትሪ ሲለዝወደአ ናብ ዝኾነ ሰብ ክድውሉ ኣይከኣሉን። ኩሉ ሰብ ብፍርሒ ተዋሒጡ፤ገሊኦም ከኣ ብሰንኪ አቲ ጉዕዞ ከምልሱ ጀሚሮም። ድሕሪ ክልተ ለይቲን ቀትሪን ፤ በቲ ከባቢ ትሓልፍ ዝነበረት መርከብ ክተድሕኖም ኪኢላ። ንሰላም እቲ ጉዕዞ ብሓፈሽኡ ከባቢ 4500 ናይ ኣሜሪካ ዶላር ወዲኡላ።
ማሓዙታ ብዝሃባኣ ሓበሬታ መሰረት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክትኸይድ ወሲና። ማሓዙተይ ኣብ ፌስ ቡክ ዓዲ እንግሊዝ ጽቡቕ እዩ ምኽንያቱ ናይ ትምህርቲ ዕድል ስለዘለዎን፤ እንዳ ተማሃርካ ክትሰርሕ ስለዝትኽእል ኢሎምኒ። ብተስፋ ትብል ሰላም።
ኣውሮፖ ከም ተጸበየቶ ኣይጸናሓን። ኣብ ውሽጢ ኣውሮፖ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኪትሰግር ከላ ብዙሕ ጸገማት ፤ከም ምቕጥቓጥ ዝኣምሰሉ ኣጋጢምዋ ኔሩ።
ኣብ ግዜ ቃለ መሕትት ፤ ሰላም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምስጋር ብምሕሳብ፤ኣብ ካሌ ፈረንሳይ ትቅመጥ ኔራ።
”ርግጸኛ ኣይኮንኩን ከምቲ ዝሓልሞ ዝነበርኩ ምርካበይ” ትብል “ኣብቲ ዝደለኽዎ ቦታ ምስ በጻሕኩ፤ ጽቡቕ ክስማዓኒ ይኽእል እዩ። ሕጅ ግን ሕጉስቲ ኣይኮንኩን።”