![kiros-4.jpg](/20200628025159im_/https://www.tellingtherealstory.org/images/c5JGKSvNo6zJxfxXS_1zG-Mbij0=/10/fill-325x244/kiros-4.jpg)
ዛንታ ኪሮስ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዝተጠርነፈት ስድራ
ኤርትራ
- ሱዳን
- ፈረንሳይ
ናብራ ሱዳን
ኪሮስን በዓልቲ ቤቱ ኣድያምን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን እዮም ተራኺቦም፡ ኣብኡ ድማ ተመርዕዮምን ሓዳር መስሪቶምን። ብሰንኪ እቲ ኣብ መዓስከር ዝነበረ ሕጽረት ዕድላት ስራሕ፡ ንመነባበሪኦም ዝኸውን እቶት ንምርካብ ብምትስፋው ከኣ ናብ ሱዳን ግዒዞም።
እዚ ግን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ ተረኽበ፥ ኪሮስ ናብቲ ሓደ ዓመት እናሰርሐ ዝጸንሓሉ፡ ናብ ደቡብ ሱዳን ክኸይድ ወሰነ። ንሱ ናብ ካርቱም ምስ ተመልሰ፡ ስድራኡ ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ንምኻድ ከይዶም ነበሩ። ኩነታቶም ኣብ ሱዳን ዘይጽወር ኰነ፡ ኣድያም ድማ ንሰብኣያ ክትረኽቦ ኣይከኣለትን ነበረት። ንሱ፡ስድራኡ ኣበይ ከምዘለው ዝኾነ እንዶ ኣይነበሮን፡ ኰይኑ ግን ናብ ኤውሮጳ ክስዕቦም ኢሉ ወሰነ።
![kiros-3.jpg](/20200628025159im_/https://www.tellingtherealstory.org/images/LMqF3dqSpMhiLnjuXyBA5rJfs2c=/11/fill-325x232/kiros-3.jpg)
![kiros-2.jpg](/20200628025159im_/https://www.tellingtherealstory.org/images/wr619QlQby0QohV3Qg-mK8y0w8o=/12/fill-325x232/kiros-2.jpg)
– ኪሮስ, ኤርትራ“ኣብ ሊብያ፡ክልተ ዓመታት ሲኦል ኣሕሊፈ። ኣብኡ እቲ ኩነታት መነባብሮ፡ፍጹም ኣሰቃቒ ነበረ። ካብቲ ክውሰድ ዝኽእል እቲ ዝኸፍአ ጉዕዞ ድማ እዩ። ን7 ኣዋርሕ ኣብ መኻዚኖ ተኸርዲነ ኔረ። እቶም መሰጋርገርቲ (ሰምሰርቲ)ኣብ ከባቢ እቶም ብባሕሪ ዝገሹ ክሰርሕ ከምዝኽእል ነጊሮሙኒ። ስለዚ ንዕኦም ክሰርሕ ጀሚረ። ንሓደ ዓመት ሰሪሐ። ሽቓቕን መኻዚኖን ከኣ አጽሪ ኔረ።”
ኣብ ቤትማእሰርቲን-ምስ ሰምሰርቲን ኣብ ሊብያ
ብሰሪ እቲ ሕማቕ ኩነታት መነባብሮ፡ ክብደቱ ነክዩ፡ እቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዝተወስደሉ ስእሊ ድማ፡ ከምዛ ሎሚ ዘለዋ ኰይኑ እዩ ዝልለ። ሓያሎ ካብቶም ምስኡ ዝተሳቐዩ ብጾቱ፡ዓሶ ሓመሙ፡ገለ ድማ ሞቱ። ድሕሪ ዓመትን ሾብዓተ ወርሕን፡ኪሮስ ንኤውሮጳ ከግይሾ ዝኽእል ገንዘብ ኣእተወ።
ብሓንቲ ንእሽቶ ጃልባ ድማ ተበገሰ። ድሕሪ ዓሰርተ ሰዓት ግን እቲ ባሕሪ ኣዝዩ ስለ ዝተናወጸ፡ ኣብ ሓንቲ ከተድሕኖም ዝነበራ መርከብ ተሰቒሎም ከምብሓድሽ ናብ ሊብያ ተወስዱ። ንሱ ዕድል ስለዝገበረ፡ ናብቲ ብላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማለት ብUNHCR ዝመሓደር መዓስከር ስደተኛታት ተወስደ።
ኣብ ሞንጎ እዚ፡ኣድያም፡ ኣብቲ እትነብረሉ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ናብ UNHCR ከይዳ፡ ሰብኣያ ንምርካብ ክሕግዝዋ ረኺባቶም ኔራ እያ። ንሳቶም ከኣ ክረኽብዎ ክኣሉ፥ ንዳግመ ምጥያስ ተሓርዩ ድማ ንዳግመ ምጥርናፍ ስድራ ብዝልከት ውሳነ ምእንቲ ክጽበ፡ ናብ ኒጀር ከም ዝመጽእ ተገብረ። ኪሮስ፡ንምብጋስ ምድላው ጀመረ።
ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዝተጠርነፉ ስድራቤት
“እታ ዕለት እኳ እንተዘይፈለጥናያ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ ትመጽእ ምንባራ ግን ፈሊጥና ኔርና ኢና። ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዝፈልጥ ኔሩ። ኩሉ እቲ ክገብሮ ዝኽእል ዝነበርኩ፡ ምጽላይ እዩ። እዛ መዓልቲ ክትመጽእ ብምትስፋው፡ ቅድሚ ምድቃሰይ ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ለይቲ ጸልየ። ክጽሊ ከለኹ፡ ስድራይ ሓቚፈ፡እስዕሞም፡ ገለ ካብቶም ደቀይ ፡ነዋሕቲ እዮም፡ እቶም ካልኦት ድማ ሓጸርቲ። ስለዚ ኩልና ምእንቲ ክንተሓቛቘፍ፡ እቶም ነዋሕቲ ቁሩብ ድንን ክብሉ ነበሮም።”
መወዳእታኡ፡እታ ዓባይ መዓልቲ መጸት፥ኪሮስ ድማ ናብ ማርሰይለስ ንምጉዓዝ ናብ ኣውሮፕላን ደየበ። ኣዝዩ ብዙሕ ሓሳባትን ስምዒታትን ብኣእምሮኡ ሓለፈ።
ኣነ ኣዝየ ተሓጒሰ ነበርኩ። ሓደ ዝተፈለየ ዓይነት ሓጐስ ተሰሚዑኒ። ምስ ስድራይ ክቘርስ ኢልካ ምሕሳብ ጥራይ! ክድቅስ’ውን ኣይከኣልኩን። ክሳዕ ኣብ ኣውሮፕላን ዝስቀል ብሓቂ የጋጥም ኣሎ ኢለ ኣይኣመንኩን። ሎሚ ምስኦም ቁርሲ ክቘርስ እየ እናበልኩ ጸጸኒሐ ሰዓተይ እርኢ ኔረ ። ጸሓይ መዓስ እያ ትበርቕ፧”
ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ፡ እቶም ስድራኡ ይጽበይዎ ኔሮም። ድሕሪ ሰለስተ፡ ነዋሕትን ኣጸገምትን ዓመታት፡ መወዳእታኡ ዳግማይ ብሓባር ኰኑ። ሎሚ፡ ኪሮስን ኣድያምን፡ ቃልስን ብድሆታትን ኣብ መገዶም እናገጠሙ፡ ሓድሽ ህይወት ይሃንጹ ኣለው።