“ብሰምሰርቲ ሰብኣወነተይ ተቀንጢጠ። ደለልትን ሰምሰርትን ከም ገንዘብ እምበር ከም ሰብ ኣይኮነን ዝሪኡኻ። ሕሰቦ ሂወትካሲ ብገንዘብ ተጸብጺባ ከም ኣቅሓ ከም ድለቶም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ትገዓዓዝ”
ኣማን ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮፕያ ብ 2017 ሰገረ። ኣብ ኢትዮጵያ ሂወት ክምስርት ፈቲኑ። ግን ናብራ ኣብ ኣዲ ኣበባ ከብድን ክቡርን ኮይኑ ጸኒሑዎ። ስራሕ ክረብ ኣይከኣለን። ዕቅሉ ምስ ቀበቦ ዕዳ ምስ በዘሆ ናብ ኤውሮጳ ከምርህ ተገደደ። ኣብቲ ዝነብሮ ከባቢ ብዛዕባ ሰብ ዶብ ሱዳን ናብ ሊብያ ዘሰጋግሩ ደለልቲ ሓበሬታ ረኸበ።
“ ደለልቲ ሰብ ኣይኮኑን። ኣሚንና ሕራይ ኢላ ክንጓዓዝ ምእንታይ ሓስዮም እቲ ጉዕዞ ምድረበዳ ቀሊልን ሓጺርን’ዩ፡ ሰለስተ መዓልቲ ጥራሕ’ዩ ዝወስደልኩም ፥-ኢሎምና የደናግሩና። ንሕና ከኣ ብዙሕ ግዜ ስለ ነቲ ምድረበዳ ዝተመላለስዎ፥ ብሰላም ከብጽሑና እዮም ኢልካ ኢኻ ትሓስብ። ተሰማሚዕካ ጉዕዞ ጅምር ምሰበልካ ግን ሃንደበት ጠባዮም ይቅይሩ።ከም ከብቲ ኣብ ጸቢብ ቦታ መኻይን ይጸቃቅጡኻ። ሰብ ኣብ ምድረበዳ ይግረፍ ይቕጥቐጥ ይጸንት ኣሎ። ድለልቲ ከም ጥሪጥ ካብ ሓደ ቦታ ናብቲ ሓደ የግዑዝኻ ብዘይ ክብረት። ተዝሒልካ ኣደናጒኻዮም ከኣ ይቅጥቅጡኻ።”
ኣማንን መጓዓዝቱን ብኹሉ’ቶም ሰምሰርቲ ጨወይቲ ዓሰርተ ጊዘ ኢድ ብምስግጋር ረብሪቦም ተስፋ ክቆርጹ ጀመሩ። ድሕሪ ክንደይ ከርተት ናይ መወዳእታ ዕድሎም ክፍትኑ ብምሕሳብ ምስ ኣዕሩኽቱ ካብቶም ጨወይቲ ክሃድሙ ወሰኑ።ኣማን ብነዊሕ ጻዕርን ዕድልን ናብ ማሕበር ዉዱባት ሃገራትUNHCR ዘለዉዎ መዓስኸር ብምኽያድ ጉዳዩ ሓታቲ ዑቅባ ምዃኑ ኣፍሊጡ ተመዝገበ። እዛ መስርሕ ሂወቱ ኣድሓነቶ። ካብ ሊብያ ድማ ኣስዒቡ ምስ ካላኦት ዉጹዓት ብነፋሪት፥ ብምትሕብባር ውዱባት ሃገራት ናብ ዉሑስ ቦታክሰ ጋገር ክኢሉ።
“ኣብ ሱዳን ወተሃደራት ዝመስሉ ተኸደኑ ሽፋቱ ደው ኣቢሎም ጨውዮምና። ምስኦም ነዊሕ ከይገበርና ድማ ብኻለኦት ጨወይቲ ኣጋቲሞምና”
ኣማንን መጓዓዝቱን ብኹሉ’ቶም ሰምሰርቲ ጨወይቲ ዓሰርተ ጊዘ ኢድ ብምስግጋር ረብሪቦም ተስፋ ክቆርጹ ጀመሩ። ድሕሪ ክንደይ ከርተት ናይ መወዳእታ ዕድሎም ክፍትኑ ብምሕሳብ ምስ ኣዕሩኽቱ ካብቶም ጨወይቲ ክሃድሙ ወሰኑ።ኣማን ብነዊሕ ጻዕርን ዕድልን ናብ ማሕበር ዉዱባት ሃገራትUNHCR ዘለዉዎ መዓስኸር ብምኽያድ ጉዳዩ ሓታቲ ዑቅባ ምዃኑ ኣፍሊጡ ተመዝገበ። እዛ መስርሕ ሂወቱ ኣድሓነቶ። ካብ ሊብያ ድማ ኣስዒቡ ምስ ካላኦት ዉጹዓት ብነፋሪት፥ ብምትሕብባር ውዱባት ሃገራት ናብ ዉሑስ ቦታክሰ ጋገር ክኢሉ።
“ ኣነ ንሰብ መልእኽቲ ከመሓላልፎ ዝደሊ ጉዕዞ ስቕያት ዘይሓሰብኩዎ ከምዘሕለፍኩ ክነግር ይደልዪ። ሰብ ክጥንቀቅ ኣለኦው ሓደራ!ጉዕዞ ብምድረበዳ ሊብያ ናብ ኤዎፓ ብሰምሰርቲ ደላሎ ሰብ ንጸላእየይ ኣይምነየሉን። ተመሊሰ ክሓስቦ ከለኹ ዝኾነ። ኣብ ጉዕዞ ምድረበዳ ሰብ ይሳቀይ ኣሎ ክሳብ ሎሚ፥ ብተፈላለዩ ሕማማት ይሳቀዩ ኣለዉ። መግረፍትን ምቕጥቓጥን ኣሎ። ብዛዕባ’ቶም ብድሕሪት ዝገደፍኩዎም የሕዋተይ ክሓስብ ከለኹ ብጣዕሚ ድቃስ ይኸልኣኒ።”