ዛንታ ሽሻይ-ዛንታ ጭውያን፡ማእሰርቲን፡ማህረምቲን፡መሸጣ
ሺሻይ ኤርትራዊ ስደተኛ ኮይኑ፡ ናብ ሃገረ ጀርመን ኣብ 2015 ብመንገዲ ሳህራ ኣትዩ። ኣብ’ዚ ጉዕዞ’ዚ ተቀጥቂጡ፡ተገፊዑ ከምኡ ድማ ንነዊሕ እዋናት’ውን ተኣሲሩ እዩ። ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ2011 ብሓገዝ ኣብ ካርቱም ትቅመጥ ሓብቱ ኣትዩ። ስራሕ ከናድይ ፈቲኑ እኳ እንተንበረ፡ግዳ ኣይሰለጦን።ኩነታት መነባብሮ ‘ውን ክጾሮ ኣብዘይክእለሉ በጺሑ ነበረ። መደቡ ድማ ምስ’ቲ ናብ ኣውሮጳ ክኸይድ ዘእመኖ ዓርኩ ብምዝርራብ ወሰነ።ይኹን ‘ምበር ሓብቱ ንኽተርፍ መዓደቶ።
ሓብተይ “ክኸይድ ደልየ ኢለ ምስነገርክዋ ፡እቶም ዝኸዱ ከምዝተጨውዩን ከምዝሞቱን ኣይሰማዕካን ዲኻ፧” ኢላትኒ። ኣነ ግና ዕድለይ ምፍታን ይሕሸኒ ብምባል ሓሳባታ ነጺገዮ።” ይብል ሽሻይ።
ሺሻይን ዓርኩን ዘይሕጋዊ መስገሪ ሰብ(ሰምሳሪ) ከናድዩ ጀሚሮም።ሐንቲ ለይቲ ምስ ከባቢ 140 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ድሕሪት መኪና ተጻዒኖም ድማ ተበጊሶም። ነዊሕ ምስተጒዓዙ ኣብ ሓደ ጽምው ዝበለ በረኻ ንኸዕርፉ ደው በሉ።ዘይተጸበይዎ ነገር’ውን ኣጋጠሞም። ህቦብላዊ ሓመድ መገዶም ዝመጾም ዘሎ መሰሎም።እንተኾነ ግን ኣርባዕተ ሓመዳዊ ዝሕብረን ላንድክሮዘር ዝብሃላ ቶዮታ መካይን እየን ኔረን። ኣውቶማቲክን ኣጽዋር ዝሓዙ ወታደራት ናብ ሰማይ እናተኮሱ መጺዮሞም።ሽዑ ብጫዳውያን ሚልሽያ ከምዝተጨውዩ ተረዲእዎም።
“በቲ ነትጉታትን ተዂስታትን ሰንቢድና። ከምዚ ነገር ተራእዩ ኣይፈልጥን እዩ።ነቶም ንዓና ዝሓዙ መራሕቲ መካይን ቐጥቂጦሞም።ንሓለፍቶም ደዊሎም ‘ውን ነጊሮሞም። ናብኡ ክስዱና ከኣ ሓቢርዎም።” ንሕና ኢና ናይ ፈለማ ጉጅለ ዝተጨወና።
ክልተ ወርሒ ሙሉእ ከቢድ ጸገማት የሕሊፎም። መዓልታዊ ኣዚዩ ከቢድ ምቕጥቃጥን ማእሰርት’ውን የሕሊፎም። ዘይሕጋውያን መስገርትን ጨወይቲን ንነፍሲወከፍ ሰብ ብሕሳብ 2,700 ዶላር ኣመሪካ ክፍንውዎምን ንከተማ ትሪፑሊ (ትራብሎስ)በብእዋኑ ክሰድዎም ተሰማምዑ።ሺሻይ ካብቶም መዋዳእታ ዝተፈነወ ሰብ’ዩ ነይሩ። ሽሻይ ነቲ ኲነታት ክገልጾ ከሎ፡”ንግሆን ምሸትን ምቕጥቃጥ ከም ቁርስን ምሳሕን እዩ ኔሩ “ይብል ።
ኣብ ከተማ ትርፑሊ(ትራብሎስ) ኲነታት ጽቡቕ ነገር ኣይነበሮን።ሽሻይን ጉጅልኡን ብጨወይቲ ኣብ ሓደ ዓቢ ኣደራሽ ተኣሲሮም ከብቅዑ፡በቶም ጨካናት ሓለውቲ ይውቅዑን ይበሳበሱን ነይሮም።ካብ መዓልታት ሓደ ግዜ እቶም እሱራት ነቲ ቤት ማእሰርቲ ተቆጻጸርዎ።ኩሎም ድማ ሃዲሞም ናብ ጐደና ወጹ።ይኹን’ምበር ሽሻይ ኣብ መንጎ እቶም ዳግማይ ተታሒዞም፡ ናብ’ቲ መዝርዓ ዝተመልሱ ዘይውሑዳት ሓደ ነበረ። እቲ መጉዓዝቱን ዓርኺ ሽሻይ ዝነበረ መንእሰይ ግን፡ካብቶም ጨወይቲ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ህይወቱ ሓለፈት።
ኣብ መዛዘሚ እቲ ዘይሕጋዊ ኣስጋሪ ሰብ (ሰምሳሪ)ካብ’ቲ ተኣሲሩ ዝነበረ ቦታ ከፊሉ ብምውጻእ፡ናብ ጥልያን ትወሰድ ጃልባ ብምድላው፡ናብ መበገሲ ቦታ ወሰዶም።እታ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ናይ ገፋፎ ዓሳ ጃልባ 700 ሰባት ብምሓዝ ጉዕዝኣ ጀመረት። ድሕሪ ናይ ስዓታት ጉዕዞ ድማ ብኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ጥልያን ክሕገዙን ክድሕኑን ክኣሉ።ሽሻይ ናብቲ ከም ስደተኛ ዝተመዝገበሉ ጀርመን ካብ ጥልያን ከደ።ሕጂ ክልተ ደቊን በዓልቲቤቱን ኣብ’ቲ ዝነብረሉ ሃገር ጀርመን ክጥርነፉ እናተተስፈወ ይጽበ ኣሎ።