ንንውሕ ዝበለ ዓመታት፡ ኤርትራውያንን ሶማልያውያንን ናይጄርያውያን ስደተኛታት ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ኤውሮጳ ክኣትዉ ጸኒሖም ኣለዉ። ብዙሓት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ፡ እቶም ብህይወቶም ዝኣተዉ’ውን ብሰንኪ ኣብ መገዲ ዘጋጠሞም ስነ-ኣእምሮኣዊን ኣካላዊን ሃስያ ይሳቐዩ። ነዚ ጕዕዞ’ዚ ንኽወስዱ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ይቕስቡዎም፤ ብዙሓት ካብ መግፋዕቲ፡ ኲናትን ግጭትን ዝሃድሙ ክዀኑ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ካብ ድኽነት ወይ ሕሰም መነባብሮ ናይ ገዛእ ሃገራቶም ወይ ናይ’ተን ዕቝባ ዝሓቱለን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሃድሙ እዮም። ካልኦት ድማ፡ ናይ ሓሶት መብጽዓ ናይ ኣሰጋገርቲ ደቂ-ሰብ፡ ኣሳእል ኣብ ማሕበራዊ ማዕከናት ዜና ወይ ድማ ኣብነት መሳቱኦም ዘደናግሮም እዮም።
ዕላማ ናይ ምዝንታው ሓቀኛ ታሪኽ ንኤርትራውያን ሶማልያውያን ናይጀርያውያንን ናብ ኤውሮጳ ዝተጟዓዙ ብሂወቶም ዝኣተዉን ኮይኖም፥ ሕሉፍ ዛንታ ተመኩሮ ጉዕዞ ንኸካፍሉ ዘኽእሉሉ ምደረኽ ክኾውን ተባሂሉ ዝተመስረተ እዩ።
መደብ ምዝንታው ሓቀኛ ታሪኽ፥ በቶም ስደተኛታት ዑቁባትን ሓተቲ ዑቅባ ባዕሎም ዘዘንትዉዎ ውህሉል ሓቀኛ ዛንታታት ተጠርኒፉ ይርከብ ። ንናይ ገዛእ-ርእሶም ሂወት ይዛረቡ፡ ኩሉ ሕማቕን ጽቡቕን ተመኩሮታቶም ድማ የካፍሉ። በዞም ምስክርነታት ኣቢሎም ድማ፡ ነቶም ነቲ ጕዕዞ ንኽወስዱ ዝህቅኑ ምሉእ ስእሊ’ቲ ጕዕዞን ከጋጥምዎም ዝኽእሉ ሓደጋታትን ፈሊጦም፡ ኣብ ሓበሬታት ዝተመርኰሰ ውሳኔ ወሲኖም፡ ንናይ መጻኢ ምንቅስቓሳቶም ከካይዱ ይሕብሩ።
ዋላ’ኳ ሓደገኛነት’ቲ ጕዕዞ ዝፈልጡ እንተዀኑ፡ ብዙሓት ስደተኛታት፡ ክብገሱ ክውስኑ እንከለዉ፡ ክብደት እቲ ሓደጋን ከጋጥሞም ዝኽእል ስቓያን ኣይርድኡዎን እዮም። ኣብ ርእሲ’ቲ ዘለዎም ዘይክውንነታዊ ትጽቢትን ብዛዕባ ህይወት ኣብ ኤውሮጳ፡ ንውስብስባት ሕጊ ዕቝባ ኣብ ኤውሮጳ ኣይርድእዎን።
መሰል ምሕታት ዕቝባ ሓደ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል እዩ። ዝዀነ ዕቝባ ዘድልዮ ድማ ካብ ምሕታት ክኽልከል ኣይግባኣ። እዚ ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ነዊሕን ሃደገግኛን ጕዕዞ ንምንቃል ዝውሰድ ውሳኔ ህይውት ዝለውጥ እዩ — ነቲ ዝጓዓዝ ጥራይ ዘይኰነ እንኮላይ ንስድራቤቱ። ስለዚ፡ ኣብ ዝተማልአ ሓበሬታ ዝተመርኰሰ ክኸውን ይግባእ።
ብዛዕባ ላዕለዋይ ወኪል ስደተኛታት ናይ ሕቡራት ሃገራት UNHCR
ላዕለዋይ ወኪል ስደተኛታት ናይ ሕቡራት ሃገራት -UNHCR- መዝነቱ ኣህጉራዊ መስርሓት ንሓተትቲዑቅባን ዑቁባትን ውሕስነት ንምሃብ ዝሰርሑ ስርሒታት ይመርሕን የወሃሃህድ፥ ንዑቁባት ስደተኛታት ዝምልከት ጸገማት ምፍታሕ ንምርካብ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ይሰርሕ። ላዕለዋይ ወኪል ስደተኛታት ናይ ሕቡራት ሃገራት -UNHCR- ስርሑ ኣብ መሰላት ዕቁባት ምክልኻል ዘቶከረ እዩ። እዚ ውድብ ኩሎም ደቂ ሰባት ዑቅባ ናይ ምሕታት መሰሎም ንኽኽበር ይሰርሕ፥ ከምኡ ድማ መሰል ዕቅባ ኣብ ካለእ ሃገር ናይ ምርካብ ንኽህልዎም ይካታዕ። እቶም ሰባት ብወልንተኦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ክደልዩ ከለዉ መሰሎም ንኽኽበር ይማጎት። ዑቁባት ናብ ሳልሰይቲ ካለእ ሃገር ዳግም-ክሰፍሩ ኣብ ዝሓቱሉ ጉዳዮም የሳልጥን ኣብቲ ሓድሽ ሃገር ናይ ምውህሃድ መስርሕ ድማ ይከታተልን።ብዝያዳ ድማ ንዜግነት-ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ወኪሉ ይማጎት።