መምርሒታት
ዝስደዱ ስራሓት በዞም ዝስዕቡ መንገድታት ክኸውን ይክእል፣
- ኣብ ግዜ ጒዕዞ ዝተወሰደ ደረቕ ስእልታት።
- ኣብ ግዜ ጒዕዞ ዝተወሰደ ድምጽታትን ተንቀሳቃሲ ምስልታትን(ቪድዮታት)።
- ናይ ጽሑፍ ምስክር ብቋንቋታት እንግሊዝ፡ትግርኛ፡ትግረ ከምኡ ድማ ሶማለኛ።
ናባና ዝስደዱ ስራሓት መበቆላዊ ዋንነቶም ናይ ገዛእ ርእስኹም ኮይኖም፡ናይ ቕዳሕን ካልኦት ተመሳሰልቲ መሰላትን ዋንነቶም ናሃትኩም ክኾኑ ይግባእ።እዚ ማለት ካብ ካልእ ምንጭታት ዝተረኸቡ ስራሓት ክቀርቡ የብሎምን ማለት እዩ ። ንኣብነት፣ ቀጥታዊ ስእልታት ካብ ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታ ዝርከቡ ምጥቃስ ይክኣል።
ጽሑፋት ዛንታታት ካብ 500 ቃላት ክበዝሑ የብሎምን።
ዛንታታት ቋንቋኣዊ ይኹን ስእላዊ ደረጅኦም ዝኾነ መጥቃዕታዊ ትሕዝቶ ኣንጻር ካልእ ክህልዎም የብሎምን።
ከመይ ኣቢልና ዛንታታት ንጥቀመሎም፧
ብመሰረት ኤዲተራዊ መምርሒታትና፡ ዘይቡቁዕ ኮይኑ ዝኣመናሉ ዛንታ ካብ ሕትመት ናይ ምውጋድ መሰል ኣሎና።እቶም እንጥቀመሎም ዛንታታት ድማ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ክንዝርግሖምን ብመንገዲ ማሕበራዊ ማዕከን ዜናታት ክምነማሓላልፎም ንሕብር።ኣገዳሲ ኮይኑ ኣብ ዝረኸብናሉ ግዜ ድማ ካብ መበቆላዊ ጽሑፋዊ ዛንታ ወይ ተንቀሳቃሲ ምስሊ(ቪድዮ)ናይ ምትዕርራይ ውሳኔ ክንህብ ንኽእል።
ንስኻ/ንስኺ ዛንታኻ/ኺ ናባና ክትሰዶ ምስ ትደልይ/ዪ ብመንገዲ TRS@unhcr.org
ክትሰዱልና ትክእሉ።