ኣብ መዓስከር ሸገራይብ ዝመደበሩ ስርዓተ ምሕደራ ሕብረተሰብ ስደተኛታት፡ብወለንታውያንን ካልኦት ጉጅለ ሕብረተሰብን ዝቆመ ብምሉእ ሓይሉ ተጸሚዱ ፡ብዛዕባ ምስፍሕፋሕ ኮቪዲ-19ን ኣገባብ ምኽልኻሉን ይሰርሕ ኣሎ።
ኣባላት ወለንታዊ ዝሰርሑ ስደተኛታት ፤ ዝርግሐ ሓበሬታ ንስደተኛታት ገዛ-ገዛ ይኻየድ ኣሎ።ኣብ ማእከል መውሃቢ ሓበሬታ ሸገራይብ ብዛዕባ ኮቪዲ-19 ዝርጋሒኡን ኣገባብ መኸላኸሊኡን፡ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ይውሃብ ኣሎ። መልእኽትታት ብዛዕባ ልምምድ ንጽህና፡ ናይ ድስፕሊን ዛንታታት ከምኡ ድማ ጉጉይ ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ ተላባዒ ሕማም ዘተኰረ እዩ።
ብዘይካ’ዚ እዞም ወለንታዉያን ኣብ መዓስከር ሸገራይብ፡ዝተፈላለዩ መልእኽታት ብዲጂታላዊ ኣገባብ፡ብቋንቋታት ትግርኛን ዓረብን ብመልክዕ ድምጺ ብምድላዉ፡ ኣብ ግዜ ጐስጓስ ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ኣዳልዮም።እቶም መልእክታት፡ብዝተፈላለዩ ህዝባዊ ኣገባባት፡ተንቀሳቃሲ መጒልሒ ድምጺታት ከምኡ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርግሑ እዮም።ብተወሳኺ ናይ ድሕነት ልምምድ ዘጠቃለለ ሓበሬታ፡ ( ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ገንዘብ፡ዕድጊ፡ንጽህና ኣሕምልቲ ከምኡ ድማ ምልውዋጥ ሰላምታ )ይርከብዎም። ምእላይ ጭንቀትን ምክንኻን ሕሙማትን፡ ከምኡ ድማ ምሉእ ስድራቤትን ኣለይቶምን።