Search

ትረኻ ሓቀኛ ዛንታ፡ ሓደ ኣሳታፊ ዝዀነ ኮም ዝሰረቱ ብዛዕባ’ቲ ንምእማኑ ዘጸግም ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ጕዕዞ ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ስደተኛታት ዝዝርግሕ እዩ።

ንንውሕ ዝበለ ዓመታት፡ ኤርትራውያንን ሶማልያውያንን ስደተኛታት ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ኤውሮጳ ክኣትዉ ጸኒሖም ኣለዉ። ብዙሓት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ፡ እቶም ብህይወቶም ዝኣተዉ’ውን ብሰንኪ ኣብ መገዲ ዘጋጠሞም ስነ-ኣእምሮኣዊን ኣካላዊን ሃስያ ይሳቐዩ። ነዚ ጕዕዞ’ዚ ንኽወስዱ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ይቕስቡዎም፤ ብዙሓት ካብ መግፋዕቲ፡ ኲናትን ግጭትን ዝሃድሙ ክዀኑ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ካብ ድኽነት ወይ ሕሰም መነባብሮ ናይ ገዛእ ሃገራቶም ወይ ናይ’ተን ዕቝባ ዝሓቱለን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሃድሙ እዮም። ካልኦት ድማ፡ ናይ ሓሶት መብጽዓ ናይ ኣሰጋገርቲ ደቂ-ሰብ፡ ኣሳእል ኣብ ማሕበራዊ ማዕከናት ዜና ወይ ድማ ኣብነት መሳቱኦም ዘደናግሮም እዮም።

ዋላ’ኳ ሓደገኛነት’ቲ ጕዕዞ ዝፈልጡ እንተዀኑ፡ ብዙሓት ስደተኛታት፡ ክብገሱ ክውስኑ እንከለዉ፡ ክብደት እቲ ሓደጋን ከጋጥሞም ዝኽእል ስቓያን ኣይርድኡዎን እዮም። ኣብ ርእሲ’ቲ ዘለዎም ዘይክውንነታዊ ትጽቢትን ብዛዕባ ህይወት ኣብ ኤውሮጳ፡ ንውስብስባት ሕጊ ዕቝባ ኣብ ኤውሮጳ ኣይርድእዎን።

ትረኻ ሓቀኛ ዛንታ ዝብል መድረኽ፡ በቶም ስደተኛታት ባዕሎም ዝተጸውየ ሓደ እኩብ እማን ዛንታት ቀሪቡ ይርከብ። ንናይ ገዛእ-ርእሶም ኮማትን ይዛረቡ፡ ኵሉ ሕማቕን ጽቡቕን ተመኵሮታቶም ድማ የካፍሉ። በዞም ምስክርነታት ኣቢሎም ድማ፡ ነቶም ነቲ ጕዕዞ ንኽወስዱ ዝህቅኑ ምሉእ ስእሊ’ቲ ጕዕዞን ከጋጥምዎም ዝኽእሉ ሓደጋታትን ፈሊጦም፡ ኣብ ሓበሬታት ዝተመርኰሰ ውሳኔ ወሲኖም፡ ንናይ መጻኢ ምንቅስቓሳቶም ከካይዱ ይሕብሩ።

ብመገዲ’ዚ ትረኻ ሓቀኛ ዛንታ ዝብል መድረኽ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ላ.ተ.ስ.ው.ሕ.ሃ.) (UNHCR)፡ እዞም ምዑታት ኤርትራውያንን ሶማልያውያንን ውጻእ-መዓት፡ ዛንታኦም ብገዛእ ቃላቶም ንሰማዒ እዝኒ ዘልዎ ንኸካፍሉ ይድግፍ።

መሰል ምሕታት ዕቝባ ሓደ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል እዩ። ዝዀነ ዕቝባ ዘድልዮ ድማ ካብ ምሕታት ክኽልከል ኣይግባኣ። እዚ ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ነዊሕን ሃደገግኛን ጕዕዞ ንምንቃል ዝውሰድ ውሳኔ ህይውት ዝለውጥ እዩ — ነቲ ዝጓዓዝ ጥራይ ዘይኰነ እንኮላይ ንስድራቤቱ። ስለዚ፡ ኣብ ዝተማልአ ሓበሬታ ዝተመርኰሰ ክኸውን ይግባእ።

ብዛዕባ ላ.ተ.ስ.ው.ሕ.ሃ. (UNHCR)

ቤ/ጽ ላዕለዋይ ተጻዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት – ላ.ተ.ስ.ው.ሕ.ሃ. (UNHCR) – ኣብ መላእ ዓለም ንዝካየዱ ኣህጉራውያን ስራሓት ምዕቋብ ስደተኛታትን ምፍታሕ ጸጋማት ስደተኛታትን ንምምራሕን ንምውህሃድን መዝነት ተዋሂቡዎ ኣሎ።

እቲ ቀንዲ ዕላማ ላ.ተ.ስ.ው.ሕ.ሃ. (UNHCR)፡ ንመሰላትን ውሕሳነትን ስደተኛታት ምሕላው እዩ። እዚ ብዓል-መዚ፡ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ዕቝባ ናይ ምሕታትን ኣብ ካልእ ሃገር ውሕስነት ናይ ምርካብን መሰሉ ንኽጥቀመሉን፡ ክምኡ’ውን ብገዛእ ድልየቱ ናብ ሃገሩ ናይ ምምላስ፡ ኣብ ከባቢኡ ንኽወሃሃድን ኣብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምጥያስን ምርጫኡ ንኽሕለወሉ ንምርግጋጽ ይጽዕር። ከምኡ’ውን ሃገር ንዘይብሎም ሰባት ናይ ምሕግዛ መዝነት ኣለዎ።

unhcr.org