Search

ዘይርሳዕ ፈተነ

ጉዕዞ ዮሃንስ ብመገዲ ሰሃራ

00

ታሪኽ ዮሃንስ

ኣብ ከተማ ሚላኖ፡ ሃገር ጣልያን እዩ። ሃሩር ዝበዝሖ ወርሒ ነሓሰ። ፖርታ ቨነስያ ዚብሃል ዞባ ብሓደስቲ መጻእቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት መሊኡ ኣሎ። ካብኣታቶም ሓደ፡ ዮሃንስ ዚብሃል እዩ። ንሱ ወዲ 20 ዓመት እዩ፡ ብባቡር ገይሩ ብናይ ለይቲ ጕዕዞ ካብ ሮማ ካብ ዚመጽእ ዳርጋ ኣርባዕተ ሰዓት ኮይኑ ኣሎ። ብዛዕባቲ ብድሕርዚ ዚወስዶ ስጕሚ ድማ ይሓስብ። ንሱ ኣብ ሓደ ፋርማሲ ኾይኑ ኣካላቱ የንቀጥቅጥ። ኣብቲ ዋዒቲ ከንቀጥቅጥ ከሎ ግን ምናልባት ዓሶ ሓሚሙ ኪኸውን ይኽእል።

ከም ኩሎም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ዮሃንስ መጀመርያ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ዕቝባ ሓቲቱ፡ ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ሓደ መዓከር ስደተኛታት ይቕመጥ ነይሩ። ድሕሪ 9 ኣዋርሕ ኣብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ኪምሃር ዕድል ረኺቡ። ቀንዲ ትምህርቱ ቢዚነስ ማነጅመንት እዩ ነይሩ። ምስ ተመረቐ ግን ከም ስደተኛ ስራሕ ኪረክብ ኣይከኣለን፡ ስለዚ ናብቲ መዓስከር ክምለስ ተገዲዱ፡ ኣብኡ ድማ ዓመት ተቐሚጡ። ግን ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ ንኤውሮጳ ኪጎዓዝ ወሲኑ።

ዮሃንስ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ከሎ ነቶም ኣሰጋገርቲ ከፊሉዎም፡ ንሳቶም ድማ ካብ ሓደ መሳገሪ ናብ ካልእ እናኣሰጋገሩ ናብ ሱዳን ሊብያን ኣብጺሖምዎ። ኣብቲ ጉዕዞኡ ደቀንስትዮ ኪዕመጻ ኸለዋ፡ ኣብቲ ናይ ኣርባዕተ ሰዓት ናይ ሊብያ ጉዕዞ ድማ ሰባት ብጽምኢ ኪሞቱ ኸለዉ ርእዩ። ናብቲ ዚቕጽል ምዕራፋት ናይቲ ጕዕዞ ዘብጽሕ ገንዘብ ስለ ዘይነበሮም፡ ብዙሓት ካብቶም መጓዕዝቱ ኣብ ጸምጸም ምድረበዳ ተገዲፎም፡ ዕድሎም ድማ ዘይፍሉጥ ኮይኑ ኣሎ።

ናይ ዮሃንስ ናይ ጕዕዞ ጸብጻብ ንስማዕ።

ናይ ጃልባ ጕዕዞ ምስ ከፈለ ምስ 200 ሰባት ኣብ ሓንቲ ጃልባ ተሳፊሩ። እቲ ብዝሒ ሰብ ምስቲ ስፍሓት ጃልባ ኣይመጣጠንን እዩ።

ዮሃንስ ኣብቲ ታሕተዋይ ቦታ ናይታ መርከብ እዩ ነይሩ፡ ኣብኡ ድማ ናይ ኣየር ሕጽረት ነይሩ።

“እቲ ሞቶረ ኣብ ታሕቲ እዩ ነይሩ። ነቲ ክፍሊ ድማ ኣርሲኑዎ” ይብል ዮሃንስ። “ ኣብኡ ምስ ኣቶኹ ተዓፊነ። ምስትንፋስ ስኢነ፡ ብሓይሊ ከተስተንፍስ ኣሎካ። ሓደ ምሳይ ዝነበረ ሰብ ዕውልውል ኢሉዎ ሽዑ ሽዑ ወዲቑ።”
ብዕድል ግን ብናይ ኖርወይ መርከብ ድሒኖም።

ኣብ ኢጣልያ ምስ ኣተዉ፡ ናብ ሮማ ከይዱ፡ ካብኡ ድማ ናብ ሚላኖ።

“ኣብ ሮማ ምስ ኣቶኹ፡ ኩሉ ሰብ ንሚላኖ ገጹ ኪጎዓዝ ርእየ። ኩሉ ሰብ ብሚላኖ ገይሩ እዩ ናብ እተፈላለያ ሃገራት ዚጎዓዝ” ይብል ዮሃንስ።

ዮሃንስ ብዝዕባ ጉዕዞኡ ዝበሎ ንስማዕ።

ዕለተ ቃለመሕትት: 28 August 2015  |  መወዳእታ ዝተዓረየሉ: 15 April 2016  |
ሓታቲ: Khaled Abdu Mohammedsaid  |  ጸሓፊት: Christa Awuor Odinga  |  ቀራጺ: Viktor Nordenskiöld