Search

ጉጉይ ምስሊ

ናይ መሓመድሲዒድ ከቢድ ህይወት ኣብ ኤውሮጳ

00

መሓመድስዒድ

ኣነ ብሰላም ኣብዚ በጺሐ ኣለኹ ግን ናይ ዑቕባ ሕቶይ ከመይ ይምለስ ርግጸኛ ኣይኮንኩን ምኽን ያቱ ኣብ ካልእ ሃገር ኣሰር ኣጻብዕተይ ስለዝገደፍኩ ይብል መሓመድስዒድ።

ሕጂ ንሕና ኣብ መቀበሊ ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ኣምስተርዳም ኣለና፣ እዚ እዋን ከኣ ካብቲ ኣዝዩ ውዑይ ወቕቲ ክረምቲ (summer)ኮይኑ ሙቐት 38 ዲግሬ ሰንቲግሬድ ይበጽሕ። ወላኳ መዝሓሊ(ventilator) ኣብቲ ክፍሊ እንተሃለወ መሓመድስዒድ ግን እንቃዓ’ዩ ዝርህጽ ዘሎ።

መሓመድስዒድ ክልተ ደቁን ሰበይቱን ኣብ ዓዲ ገዲፉ ክስደድ ዝተገደደ ኣብ ኤውሮፓ በጺሑ መታን ክሕግዞምዩ።

ከምቶም ካላኦት ብዙሓት ጉዕዝ ኡ ኣብ ሰሃራ ሊብያ ከም ኡውን ኣብ ሜዲትራን ያን ካብ ኣፍ ሞት ብምውጻእ ብዙሕ ጭውያታት፣ሞት ብጽም ኢ ማይን ካብ መካይን ዝጸደፉ ሰባት ሓጋዚ ዘይብሎም ገዲፍካ ምኻድን ተዓዚቡ።

ኢታሊ ድሕሪ ምእታው ብሰንኪ ሕጽረት ሓበሬታ ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ ኣብ ኤውሮፓ መሓመድስዒድ ብጌጋ ሐበሬታ ደቂ ዓዱ ኤርትራውያን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዑቕባ እንተረኸበ ኢሉ ክዘውር ገንዘቡ ወዲኡ።

መሓመድስዒድ ዝሃቦ ጸብጻብ ብዛዕባ ሂወት ኣብ ኤውሮፓ ስምዑ።

ዕለተ ቃለመሕትት: 2 July 2015  |  መወዳእታ ዝተዓረየሉ: 15 April 2016  |
ሓታቲ: Khaled Abdu Mohammedsaid  |  ጸሓፊት: Christa Awuor Odinga  |  ቀራጺ: Max-Michel Kolijn