ዛንታ ዮናስ
ቐዝሒ ዝነበሮ መዓልቲ ወርሒ ሰነ እዪ ኔሩ።ኣብቲ ጫካ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ካሌ ናይ ፈረንሳይ፣ ኣብቲ እዋን ኣስታት 3000 ዝኾኑ ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝመጹ ስደተኛታት የዕቒቡ ኔሩ።
እቲ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝሰፈሩሉ ክፋል ናይቲ መዓስከር፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ስደተኛታት ዘጋጠመ ባእሲ ፣ ፍርስራስ ገዛን ገለ ክፋሉ ዝነደደ ብምንባሩ፣ ኹናት ዝተካየደሉ ቦታ እዩ ዝመስል ኔሩ።
ኤርትራዊ ስደተኛ ዮናስ፣ሓደ መዓልቲ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግር ተስፋ ኣለዎ።ከምብዙሓት ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ብምኻድ፣ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ንኣርባዕተ ዓመታት ተቐሚጡ።ብሰንኪ ኣጸጋሚ ህይወትን ቀጻሊ ውሕስነታት ምስኣን፣ ናብቲ ንቖልዑን ዓበይቲን ሕሰም ከጋንፎም ከሎ ፣ ብዓይኑ ዝረኣዮ ኣዚዩ ሓደገኛ፣ ዝኾነ ጉዕዞ ናብ ኤውሮፖ ክብገስ እዩ ወሲኑ።
“ኣነ ባዕለይ ከምሰብኣይ፣ነቲ ጉዕዞ ክጻወሮ ኣይከኣልኩን”ይብል ” ወለዲ ምስ ህጻናት ደቖም ነዚ ጉዕዞ ከይፍጽምዎ ኣጥቢቐ እላቦ። ናኣሽቱ ቖልዑ ነቲ ኣብ መገዲ ዘጋጥም ገልታዕታዕን ከቢድ ጸገማትን ክጻወርዎ ኣይክእሉን እዮም።ነቶም ዘይሕጋዊያን ኣሰጋገርቲ ድማ ፣ ንገንዘብ ኢሎም ብህይወት ቖልዑ ምጥላዕ ዘይሞራላዊ ምኻኑ ክነግሮም እደሊ” ይብል ብተወሳኪ።
ናይ ዮናስ ጸብጻብ ስምዑ
ኣብቲ ጉዕዞ ናብ ቡዙሓት ዘይሕጋዊያን ኣሰጋገርቲ ኢድ ብምእታው፤ ኣብ ዕኑው ዝኾነ መጽንሒ ቦታ ብዘሕዝን ኩነታት ተኣሲሮም ኔሮም
ናይ ዮናስ ጸብጻብ ስምዑ
ዮናስ ካብ ባሕሪ ምስ ደሓነ፤ ኣብ ቱስኪያ ዝበሃል ቦታ ጥልያን ተወሲዱ ፤ ንሓጺር እዋንውን ተቐሚጡ። ኣብኡውን ኣሰር ኣጻብዕ ክገብር ከምዘይብሉ ካብ ካልኦት ስደተኛታት ሰሚዑ።
“ከምዝኾነ ስደተኛ ፍርሒ ኔሩኒ። ኣሰር ኣጻብዕተይ ኣብ ጥልያን ክውሰድ ኣይደለኹን ፤ ምኽንያቱ ካብ ሰባት ከምዝሰማዕኽዎ ህይወተይ ከቢድ ክኸውን ስለዝኽእል።’’ ይብል ብተወሳኪ
ብሓገዝ ተቐመጥቲ ቱስካኒ ኤርትራዊያን ትኬት ገዚኡ ተጋዒዙ። ኣብኡውን ኣብ መገዲ ባቡር ብምሕዳር ኣብ ሳልስቱ ናብ ሚላን ተበጊሱ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ሚላን ድሕሪ ምጽናሕ፤ ናብ ፈረንሳይ ተበጊሱ ኣብ መውዳእታውን ናብ ካሊ ፈረንሳይ ኣትዩ።
ናይ ዮናስ ጸብጻብ ስምዑ